ትግርኛ

ቡምፕሊዝ/ቤተልሄም ብሓባር ጸረ ኮሮና

ኩቡራት ጎረባብትና
እዚ ኮሮና ቫይረስ ዝበሃል ሕማም ኣብዚ አዋን አዚ ንኩላትና ብ ከቢድ ናይ ፈተና መጻዋድያ ክፈታተነና ይርከብ፡
እዚ ተላባዒ ሕማም ውን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ኣይኮነን ዘጥቅዖ። በዚ ምኽንያት እዚ ምኒስትሪ ጥዕና ስዊስ ቡንደስ
ኣምት ፉር ገሱንድሃይት ነዞም በዚ ሕማም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ጉጅለ ሕብረተሰብ ከምዚ ዝስዕብ ለበውኡ የምሓላልፍ፡
ካብ ገዛውትኹም ኣይትውጹ፡ ርክብ ምስ ሰባት ኣይትግበሩ ይብል፡ ንሕና ኩሉ ሰብ ጥዕኑኡ ሙሉእ ክ ኸውን አዩ
ድልየትና።

ውድብ ኤስ ፐ ቡምፕሊዝ/ቤተልሄም፡ንነባሮ ክፍሊ ከተማ 6 ቡምፕሊዝ /ኦበር ቦቲገን/ ቤተልሄምን፡ውድባዊ
መርግጻትኩም እንታውነትኩምን ብዘየገድስ ንማሕበራዊ ን ጎረባብታዊን ሰናይ ግብሪ ወፍዩ ዝብል ጻውዒት ን ጎስጋሱን
የማሕጽንን፣ የራኽብን።

ንስኻ/ንስኺ ዕድሜኣኻ ልዕሊ 65 ድዩ ?፣ ሰረት ዝሓዘ ሕማም ኣለካ ዶ፣ ሃለዋት ጥዕናኻ ጽቡቕ ይስምዓካ የለን፣ናይ
ሳዓል ክትሕዘካ እንከላ ዘሎ ስእምዒታት ኣለካ ድዩ?፣ ወይ ድኽመት ናይ ምክልኻል ህዋሳት ኣለካ ፡ ወይ ብካልእ
ምኽንያት ን ዘለካ ጸገም ሓገዝ ክግበረልካ ሕጉስ ዲኻ።

- ምንክብኻብ ቕልዑ
- ናይ ሸመተ (ኣስቤዛ) ምትሕብባር
- ኣብ ከተማ ዝፍጸም ጉዳያት ምትሕብባር
- ዝርርብ
- ወዘተረፈ

ንስኻ/ንስኺ መንእሰይ፡ ጥዕናኻ ሙሉእ እሞ ነባሪ ኣብ ክፍሊ ከተማ 6 ኮይኑ ብተወፋይነት ንጽጉማት ነበርቲ ሕገዝ
ከተበርክት ትደሊ እንተኾንካ?፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ክትምዝገብ ትኽእል።

1) ምዝገባ ብ cutt.ly/Bue-Be-Solidarisch
2) ብ ኢ መይል info@spbb.ch
3) ምዝገባ በዚ ቁጽሪ ሞብይል 079 843 03 61

ጥዕናና ሕሉው ይኹን
ኤስ ፐ ቡምፕሊዝ /ቤተልሄም